ውድድራት መንእሰያት ኩዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ይቕጽል
ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ውድድራት መንእሰያት ኩዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ብውዕዉዕ መንፈስ ቀጺሉ ከም ዝወዓለ ህዝባዊ ርክባት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዞባ ናእከል ሓቢራ። ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ዝተኻየደ ውድድር፡ ማእከል ከተማን ኣርባዕተ ኣስመራን እየን ፈለማ ጸወታአን ኣካይደን። እዚ ናይ ክሊ ዕድመ 15 ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር፡ ሓያል ተወዳዳርነት ዝተራእዮ ኮይኑ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ማእከል ከተማ 2ብ1 ብዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታትሉ።

ኣብ’ቲ ዕለት ኣብ ዝተገብረ ናይ ክሊ ዕድመ 17 ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጸወታ ከኣ ማእከል ከተማ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣስመራ ኣስመራ ቀጺሉ ከርፍድ እዩ። ኣብዚ ዕለት ኣብ ክሊ ዕድመ 17 ቲራቪሎ ምስ ማይ ተመናይ ክትገጥም መደብ ክስርዓላ ብገፊሕ 8ብ0 ክትዕወት ከም ዝኸኣለት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ውድድር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ፈለማ ናይ ክሊ ዕድመ 15 ናይ ደቂ ተባዕትዮ ገጀረትን ጸጸራት እየን ተራኺበን። ገጀረት ከኣ ንመወዳድርታ 6ብ2 ኣፋንያታ ኣላ። ቀጺለን ዝገጠማ ናይ ክሊ ዕድመ 17 ጋንታታት ጸጸራትን ገጀረትን እየን ነይረን። ጸጸራት ነዚ ውድድር ንኽትዕወተሉ ብዙሕ ጻዕርታታት’ኳ እንተገበረት፡ ኣብ መወዳእታ ግን ገጀረት’ያ 6ብ3 ተዓዊታ። ገጀረት ኣብ ክልቲኡ ውድድራት ክትዕወት ብምኽኣላ ኸኣ ሕልፊ መወዳድርታ ጸብለል ክትብል ክኢላ ኣላ። ግጥማት ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት ዞባ ማእከል ሎሚ ረቡዕ’ውን ኣብ ስታድዩም ከሎ፡ ፓራዲዞ ከኣ ምስ ዕዳጋ ሓሙስ ክትጻወት’ያ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ካምቦ ቺቸሮ ኣኽርያ ምስ ኣባሻውል፡ ጎዳይፍ ከኣ ምስ ሰምበል ናይ ክሊ ዕድመ 13 ጸወታታት ከካይዳ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።
Contribution: Ministry of Information.