ፈደረሽን ኣትለቲክስ ዞባ ማእከል ስልጠና ሂቡ
ፈደረሽን ኣትለቲክስ ዞባ ማእከል፡ ንብቕዓት ጥንካረን ተጻዋርነትን ኣትለታት (Course on strength and conditioning for endurance athletes) ዘተኮረ ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ኣብ ኣስመራ ከም ዝሃበ ካብ ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ፈደረሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ 4 ደቀንስትዮ ንዝርከባኦም 36 ሰልጠንቲ ካብ 13 ክሳብ 20 ሓምለ 2022፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ብኢንስትራክተር ኣካላዊ ብቕዓት ዓውዲ ኣትሌቲክስ ኢንጅነር ያፌት ተኸስተ ዝተዋህበ መደብ፣ ንኣሰልጠንቲ ክለባት፡ ኣባላት ፈደረሽን ን/ ዞባታት ዞባ ማእከል ከምኡ’ውን ኣሰልጠንቲ ዞባታት ደቡብ፡ ዓንሰባ፡ ክለብ ደንደን ሚኒ/ ምክልኻልን ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራን ዘሳተፈ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ መደብ፡ ንኣገዳስነት ምውናን ኣካላዊ ብቕዓትን ጥንካረን፡ ፍወሳ መጉዳእትታት ጅማውቲ፡ ንሕክምና ምግብና ስፖርት፡ ንቐዳምነታት ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ዕረፍትን ቅድምን ድሕርን ውድድራትን ካልእ ኣብ ጥዕና ኣትሌታት ዘተኮረ ኣርእስትታትን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ነቲ ዝተዋህበ ናይ ስልጠና መደብ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ዞባ ማእከል ኢንጅነር ግርማይ ሃይለ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ምስ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ብምውህሃድ ዝተኻየደ መደብ ንሞያዊን ስነ-ፍልጠታዊን ዓቕሚ ኣሰልጠንቲ ክብ ዘብል ምንባሩ ገሊጹ። ወኪል ሰልጠንቲ፡ ኣሰልጣኒ ክለብ ኣትሌቲክስ ሰገን – ኢሳያስ ኣሰፋው ብወገኑ፡ እቲ ዝተዋህበ መደብ ኣብቲ ሞያ ናይ ዝዋስኡ ኣሰልጠንቲ ዓቕሚ ዘሀብትም ምዃኑ ብምግላጽ ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺሩ። ኣብ መዛዘሚ፡ ንተሳተፍቲ ናይቲ ስልጠና ዝተዳለወ ወረቐት ምስክር ድሕሪ ምዕዳሉ፡ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም ኣብ ዘስመዖ ብምዝኽኻር፡ ከም ኣሰልጠንቲ፡ ብዲሲፕሊን ዝምርሑ ብቑዓት ኣትሌታት ብደረጃ ሃገር ቃል፡ እቲ ብውሽጣዊ ዓቕሚን ብልዑል ተገዳስነትን ነቲ መደብ ብዘካየደ ክኢላ ዝተዋህበ ናይ ስልጠና መደብ፡ ንዓቕሚ ኣሰልጠንቲ ብሓደ ደረጃ ክብ ዘብል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቁምነገር ናይቲ ዝቐሰምዎ ሞያ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ምትግባር ምዃኑ ዝፈርዩሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ገሊጹ።