ኤርትራ ኣብ ውድድር ኦሊምፒያድ ቼስ 2022 ክትሳተፍ’ያ
ሃገራዊት ጋንታ ቼስ ኤርትራ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2022 ኣብ ህንዲ ኣብ ዝእንገድ ዓለማዊ ውድድር ኦሊምፒያድ ቼስ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ከም ዘምረሐት ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ሓቢሩ። እታ 5 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 10 ተወዳደርቲን ኣርባዕተ ኣሰልጠንቲን ኣለይቲን ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብቲ ሓያሎ ሃገራት ዝሳተፋኦ ውድድር ኦሊምፒያድ ቼስ፡ ኣቐዲማ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባውን ኣህጉራዊን ውድድራት ብዘመዝገበቶ ናይ ጋንታ ነጥቢታት’ያ ሱታፌኣ ኣረጋጊጻ ዘላ። ብሰኑይ 25 ሓምለ ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሃገራዊ ፈደረሽን ቼስ ኤርትራን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምፍናው ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ቼስ ኤርትራ መምህር ክፍላይ ዓንደሚካኤል ንምድላዋት እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፈደረሽን ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝሓሸ ናይ መጻረዪን መመመዪን ምድላዋት ኣካይዱ ናብቲ ዓለማዊ ውድድር ይብገስ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ንቕሓት ጸወታ ቼስ ኤርትራ ንምስፋሕን ምፍላጥን ዝሕግዝ ተሳታፍነትን ውጽኢትን ንምንጽብራቕ ከም ዝሰርሑ ገሊጹ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ንኣባላት’ታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዝሃቦ ናይ መፋነዊ ቃል፡ ኣብቲ ዝጽበዮም ኣህጉራዊ ውድድር ብዘርእይዎ ተሳታፍነት ስም ሃገሮም ንምጉላሕን ኣብ ቀጻሊ ብደረጃ ሃገር ተካእቲ ተጻወትቲ ብብዝሕን ዓይነትን ዝፈርዩሉ ባይታ ክፈጥርን ክድርኽን ዘኽእል ውጽኢት ንምምዝጋብ ክሰርሑ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ። ሃገራዊት ጋንታ ቼስ ኤርትራ ኣብ 2018 ኣብ ጆርጅያ፡ ኣብ 2016 ድማ ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኦሊምፒያድ ቼስ ተሳቲፋ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።
Contribution: Ministry of Information Eritrea.