ሳዋ፡ ብኽልቲኡ ጾታ ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ኮይና
ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብውዕዉዕ መንፈስ ክካየድ ዝጸንሐ ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል፡ ብቀዳም 23 ሓምለ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ኣካየድቲ ክለባት ስፖርት፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ብርክት ዝበሉ ኣፍቀርቲ ስፖርትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሜዳ ቦቺዮፊላ ኣስመራ ብድምቀት ተዛዚሙ። ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ዕለት፡ ፈለማ ግጥማተን ዘሰላሰላ ጋንታታት፡ እተን ኣብ ውድድር ካልኣይ ዙርያ ከይተሳዕራ ብውጽኢት ነጥብን ሬሾን ተፈላልየን ናብ መዛዘሚ ዝበጽሓ ሰንጥቕን ሳዋን እየን ነይረን። ጋንታ ሳዋ ጸወታ ካብ ዝተጀመረሉ ሰዓት ኣትሒዘን ሓያል መጥቃዕትታት ከውሕዛ ጀሚረን። ብመሰረት ዝተኣከበ ነጥቢ ድማ፡ ንቀዳማይ ክፋል ጸወታ ብዓብላሊ ውጽኢት ክዛዝምኦ ክኢለን። ኣብ ዝሰዓበት ጸወታ’ውን፡ ጋንታ ሳዋ ብገዳይም ተጻወትቲ ዮዲት፡ ፍትዊን ፌቨንን እናተቐለሰት ኣብ ሓድሕደን ጽቡቕ ምንቅስቓስ እናርኣያ ንካልኣይ ክፋል ጸወታ ክዕወታላ ኣይተጸገማን። ጸወታ ብመሪሕነት ሳዋ 2ብ0 ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይቲ ጸወታ ሰንጥቓውያን ሓያል ጻዕሪ ከንጸባርቓን ንጸወታ ክቆጻጸርኦን እኳ እንተኸኣላ፡ ንዓብላልነት ጋንታ ሳዋ ግና ክብድሆኦ ኣይከኣላን – ጸወታ ድማ ብዓወት ሳዋ 3ብ0 ክዛዘም ክኢሉ። ብመሰረት ዝተረኽበ ውጽኢት ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ጋንታ ሳዋ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፡ ሰንጥቕ ብውጽኢት ዝተመዝገበ ሬሾ ተራእዩ ደረጃኣ ናብ ራብዓይ ክወርድ ክኢሉ። ትስፉዋትን መንእሰያትን ተጻወትቲ ሓቚፋ ንጸወታ ደቂ ኣንስትዮ ድምቀትን መቐረትን ዝወሰኸትሉ ጋንታ ሰንጥቕ፡ ዋላ እኳ ንሻምፕዮን ርእያ እንተሰኣነታ፡ ተጻወትታ ብዘንጸባረቓኦ ሓያል ናይ ተወዳዳርነት መንፈስን ልዑል ስነ ምግባርን ግና፡ ካብ ተዓዘብቲ ልዑል ናእዳ ክትረክብ ልኢላ እያ። ስዒበን ግጥማተን ዘሰላሰላ እተን ብተዓዘብቲ ልዑል ኣቓልቦ ዝተዋህበን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታታት ዓምበርበብን ሳዋን እየን። ጸወታ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብክልቲአን ጋንታታት ሓደገኛ መጥቃዕትታት እዩ ውሒዙ። ሳዋ፡ ንሓያል ዕርዲ መስመር ምክልኻል ዓምበርበብ ብምጥሓስ ንቀዳማይ ክፋል ጸወታ ብመሪሕነቶም ክዛዝምዎ ክኢሎም። ኣብ ዝሰዓበት ጸወታ፡ ሳዋ ብድምጺ ጥሩምባ ናይ ደገፍቶም እናተዓጀቡ ፍናኖም ብምብራኽ ንጸወታ ክመርሕዎ ጀመሩ። ብወገን ጋንታ ዓምበርበብ ግዳ፡ መስመር መጥቃዕታ ካብ ዝሓለፈ ነክዩ ዝቐረበሉ ኮይኑ እዩ ተገምጊሙ። ኣብ ምክልኻልን ብድሕሪት ኵዕሶ ኣብ ምምላስን ብዘርኣየቶ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ኣብ ካልኣይትን ሳልሰይትን ክፋል ጸወታ ብተቐራራቢ ነጥቢ ክትግስግስ ኣኽኢልዋ እኳ እንተነበረ፡ ንዓወት ዘብቅዕ ግን ኣይነበረን። ጸወታ ብዓወት ሳዋ 3ብ0 ክዛዘም ክኢሉ።

በዚ መሰረት፡ ሳዋ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጐናጸፈቶ ክብሪ ሻምፕዮን ሎሚ’ውን ክትደግሞ ክኢላ። ድሕሪ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ናይ ምዕዳል ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብጋንታ፥ ጋንታታት ሳዋ፡ ሓሬናን ዓምበርበብን ብተኸታታሊ ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ዋንጫ፡ መዳልያ፡ ምሉእ ዕጥቅን ገንዘባዊ ሽልማትን ተዓዲለን። ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ድማ፡ ሳዋ፡ ዓምበርበብን ኢራብን ተመራሪሖም ብምውጻኦም ተመሳሳሊ ሽልማት ተቐቢሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ንውልቀ ተጻወትቲ ኣብ ዝተዓደለ ሽልማት፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብልጽቲ ተጻዋቲት ምጽላል ጸጋይ – ሓሬና ክትርቋሕ እንከላ፡ ብሉጽ ሊብሮ ኣቤል ኣብርሃም – ዓምበርበብ፡ ብሉጽ ኣጠዓዓማይ ሙሉጌታ ወልደገርግሽ – ሳዋ፡ ብሉጽ ዓጋታይ ሳሙኤል ፍስሃየ – ዓምበርበብ፡ ብሉጽ ሃራማይ ፊልሞን ወረደ – ሳዋ ተሸሊሞም። ከምኡ’ውን ኣሰልጣኒ ደቂ ኣንስትዮ ጋንታ ሳዋ ያቆብ ክፍላይ፡ ኣሰልጣኒ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ሳዋ – ሂላል ሓምድ ብሉጻት ኣሰልጠንቲ ብምዃን ዝተዳለወሎም ዋናጩ ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ተቐቢሎም። ብተወሳኺ፡ ንደያኑ፡ ተሳተፍቲ ጋንታታት፡ መሻርኽቲ ኣካላትን . . . ካልእን ሽልማት ተዓዲሎም። ኣብዛ መዓልቲ ፕረዚደንት እዚ ፈደረሽን መምህር ብርሃነ ገረዝግሄር ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንዕዉታት ጋንታታት ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ንምዕዋት ኣበርክቶ ዝገበሩ መሻርኽቲ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ብሓፈሻ ንኣፍቀርቲ ስፖርትን ልባዊ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ውድድር ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብምንጽጻር ሓያል ናይ ምውድድር መንፈስ ከም ዝተኻየደ፡ ብፍላይ ድማ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ ዕብየት ከምዘርኣየ ምግላጹ ህዝባዊ ርክባት እቲ ፈደረሽን ሓቢሩ።
Contribution Ministry of Information Eritrea.