Wednesday, March 22, 2023
|
ቀይሕ -ባሕሪ ተዓዋቲት ዋንጫ ናጽነት ኮይና!

ቀይሕ -ባሕሪ ተዓዋቲት ዋንጫ ናጽነት ኮይና!

ንያትና ናጻ ሕርያና ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ናይ ሎሚ ዓመት 2022 መበል 31 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምድማቕ ተባሂሉ ክካየድ ዝቐነየ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሕጂ’ውን ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ጎብለል ኮይና። ኣብቲ ግጥም ዝንኣድ ብቕዓት ብምንጽብራቅ ጸወታ ምሉእ መዓልቲ ዓብሊላ ዝወዓለት ቀይሕ-ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ደንደን፣ብናይ 2-0 ዓወት ተዓዊታ።

ናይ ደረጃ ጸወታ ዘካየዳ ኣዱሊስ ምስ ኣስመራ ቢራ፣ብዓወት ኣዱሊስ ተዛዚሙ። ኣዱሊስ ኣብቲ ጸወታ ብ2-0 ውጽኢት ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ቢራ ተዓዊታ።ኣዱሊስ ምስ ክለብ ኣስመራ ቢራ ዝገበረቶ ፋልማይ ጸወታ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 62 ከምኡ’ውን 78 ደቒቕ ተቐይሩ ዘኣተወ ሳልሕ ሱዓድን፡ተስፋይ ተሾመን ኣቢላ ዝረኸበተን ክልተ ሸቶታት፡3ይ ደረጃ ሒዛ።

ናቅፋ ፕረስ

FOOTBALL/SOCCER SPORTS UPDATES TENNIS ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed