ሃገራዊ ውድድር ባይታ ቴኒስ ትሕቲ ዕድመ ተዛዚሙ
ብሃገራዊ ፈደረሽን ባይታ ቴኒስ ኤርትራ ተወዲቡ ‘ቀጻሊ ውድድራት ደራኺ ሓይሊ ንምዕባለ ቴኒስ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ሜዳ ክለብ ቴኒስ ቤት-ገርግሽ ክካየድ ዝቐነየ ሃገራዊ ውድድር ባይታ ቴኒስ ትሕቲ 16 ዓመት፡ ብሰንበት 7 ነሓሰ 2022 ብድምቀት ከም እተዛዘመ ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ሓቢሩ። ኣብቲ ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራን ዕዱማት ኣጋይሽን ስድራቤት ስፖርት ቴኒስን ዝተረኽቡሉ ረፍዲ፡ ኣብ መንጎ ንፍጻመ ዝሓለፉ ተወዳደርቲ ንተዓዘብቲ ዝመሰጠ ውድድራት ተኻይዱ። ንደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደቀንስትዮ፡ ሄርሜላ ኣብርሃ ካብ ሰሜናዊ ቀ/ባሕሪ ንሻሎም የማነ ካብ ደቡብ ብምርታዕ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ዛዚማ።

ንፍጻመ ካብ ዝሓለፋ ተጻወትቲ ዞባ ማእከል ድማ፡ ህያብ ተስፋገርግስ ብዓብላሊ ጸወታ ንሰምሃር መንግስትኣብ 9 ብ 4 ብምርታዕ ተዓዋቲት’ቲ ሃገራዊ ውድድር ኮይና። ካብ ደቂተባዕትዮ ተወዳደርቲ ንናይ ፍጻመ ውድድር ዝሓለፉ ተጻወትቲ ዞባ ማእከል፡ ናትናኤል ታደሰን ናትናኤል ሚካኤልን ኣብ ዘካየድዎ ተመጣጣኒ ብቕዓት ዝተንጸባረቐሉን ልዕሊ 50 ደቓይቕ ዝወሰደን መሳጢ ግጥም፡ ናትናኤል ታደሰ 9 ብ 4 ብምዕዋት ሻምፕዮን’ቲ ሃገራዊ ውድድር ክኸውን ክኢሉ። ነቲ ዝተኻየደ ውድድር ትሕቲ ዕድመን ሓፈሻዊ ኩነታት ስፖርት ቴኒስ ባይታን ብዝምልከት በቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ትሕቲ ዕድመ ውድድር ብኽልቲኡ ጾታ ካብ ኣርባዕተ ዞባታት ዝተዋጽኡ 48 ተጋጠምቲ ከም ዝተሳተፉ ክግለጽ ከሎ፡ ብገምጋም ከኣ ኣስታት 148 ጸወታታት ከም እተኻየደ ተሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ ዞባታት ዘካየዳኦ ተሳታፍነትን ዘመዝገባኦ ውጽኢትን ዝምስገን ምንባሩን ኣብ ቀጻሊ ድማ ብደረጃ ዞባ ፌደረሽናት ብምቛም ንምዕባለ እቲ ዓውዲ ብዝለዓለ ክሰራጅ ምዃኑን መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ኣብ ዝበዝሓ ዞባታት ብቑዕ ትሕተ-ቅርጺ መጻወቲ ሜዳ ባይታ ቴኒስ ብዘይምህላዉ ተካእቲ ተወዳደርቲ ብቝጽርን ዓይነትን ከይፈርዩ ማሕንቖ ኮይኑ ምህላዉን ዝገለጸ ሃገራዊ ፈደረሽን ቴንስ ባይታ ኤርትራ፡ ዕብየትን ዝርግሐን’ቲ ስፖርት ንምስፋሕ ምስ መሻርኽቲ ብምውህሃድ ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሑ ይሰርሓሉ ምህላዉ ብምግላጽ ንቑሕ ተሳትፎ መሻርኽቲ ክዓዝዝ ጸዊዑ። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ሃገራዊ ውድድር ድማ ካብ ክሊታት ዕድመ 12-14 ከምኡ’ውን ትሕቲ 16 ዓመት ዕዉታት ዝኾኑ ተወዳደርቲን ተሳተፍቲ ዞባታትን ዝተዳለወሎም ናይ ዋንጫ፡ ሜዳልያን ወረቐት ምስክርን ሽልማት ካብ ኢድ ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ሓላፊ ንጥፈታት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራን ሃገራውያን ፈደረሽናት ስፖርትን ኮሎ/ ሰሎሞን ስዩምን ካልኦት ሓለፍትን ተዓዲሎም።
Contributions: Ministry of Information Eritrea.