Wednesday, March 22, 2023
|
ዓንሰባ – ቅድድም ብሽክለታ ቀጺሉ

ዓንሰባ – ቅድድም ብሽክለታ ቀጺሉ

ብፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ከተማ ከረን ተወዲቡ፡ ብምኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ከተማ ከረን ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ፡ ናይ 5 ሰሙን ውድድራቱ ዝሓለፈ ሰንበት ኣሰላሲሉ። እዚ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ውድድራቱ እናሓየለን ብዝሒ ተዓዘብቲ እናወሰኸን ዝኸይድ ዘሎ ውድድር፡ ልክዕ ሰዓት 7፡15 ቅ.ቀ ብናይ ንኣሽቱ ውድድር’ዩ ፈሊሙ። ናይዚ ምድብ ተወዳደርቲ ንዝተሰርዓሎም ናይ 40 ኪሎሜተር ርሕቀት ምስ ግዜ ንምቅድዳም ብናህሪ ድሕሪ ምጅማር፣ ጸወታ 20 ኪሎሜተር ምስ ተላዕሎ እቲ ሓኾተ ተወዳዳራይ ኤፍሬም ስምኦን ብምውዳቑ፡ መቐናቕንቱ ስምኦን ቴድሮስ ሓያል ስካቶ ብምግባር ኣብ ሰዓት 36.9 ኪሎሜተር እናተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ትስዕቦ ዝነበረት ጉጅለ ናይ 1 ደቒቕን 40 ካልኢትን ጋግ ኣንጺፉ ብዘይ ተቓጻጺ ኣብ መዛዛሚ ሕንጻጽ ቀዳማይ ኮይኑ ረጊጹ። ካብ ዝሰዓበት ዓባይ ጉጅለ ድማ፡ እሰይ ተስፋገርግሽ፡ ሂምሮድ ኪዳናይ፡ ገብርኤል መርሃዊ፡ መርሃዊ ጥዑማይ፡ ሬድዋን ዳሊ ካብ 2ይ ክሳብ 6ይ ኮይኖም ተዓዊቶም። ብዝናብ ተሰንዩ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማእከሎት ውድድር፡ ተወዳደርቲ ንዝተዋህቦም 72 ኪሎሜተር ንምሽፋን ኣንጻር ባህሪን ግዜን ክቃለሱ ተራእዮም። ብዙሓት ተቐዳደምቲ ኣብ ጽርግያ ሸታሕታሕ ኣብ ዝበሉሉ፡ ተቐዳዳምቲ ጋንታ ሬድሲ ዝያዳ ክኸስቡ ክኢሎም። ናይ ውልቂ ተቐዳዳማይ እሰይ መሓሪ (ብርጅዋ) ንዝተፈተነ ስካቶታት ኣብ ምብርዓን ዘርኣዮ ጸወታ ድማ ካብ ተዓዘብቲ ኣድናቖት ረኺቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ቅድድም፣ ዮናታን መርሃዊ፡ ፈንቅል ተዓገስ፡ ሻም ሃይለ፡ ሮቤል ኣለክሳንደር ኣርባዕቲኦም ካብ ጋንታ ሬድሲ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ኮይኖም ክዕወቱ ከለዉ፣ ካብዛ ጉጅለ ብሓደ ደቒቕ ዝደሓረት 2ይቲ ጉጅለ ኣብ ዝገበረቶ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ኣብርሃም ዓንደብርሃንን ሄርሞን ተኽሊትን 5ይን 6ይን ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር፡ ንዝነበረ ኩነታት ዝናብ በዲሀን ሰለስተ ተቐዳደምቲ ጥራይ’የን ውድድረን ዛዚመን። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር፣ ዩርዳኖስ ተኪኤ (ቅርጣሽ) ንደሊና ዘርእማርያምን ዮርዳኖስ ገርጊስን ኣኸቲላ ዕውትቲ ናይቲ ውድድር ኮይና። ቀጺሉ ዝተኻየደ ውድድር ናይ ዓበይቲ ኮይኑ፡ ናይዚ ምድብ ተቐዳዳምቲ 108 ኪሎሜተር እዮም ሸፊኖም። ነጥብን ክትመልስ፡ ሓያል ጸወታ ክተርኢ ብኣግኡ ግምት ኩሉ ተዓዛቢ’ዩ ነይሩ። ኮይኑ ድማ ጸወታ 10 ዙርያ ምስ ተላዕሎ ኣባላት ጋንታ ሬድሲ ኣማኑኤል እዮብን መሓርዝጊ ተስፋጼንን ካብ 1ይቲ ጉጅለ ምስ ተረፉ፡ ጋንታ መጐዓዝያ ብዳኒኤል በርሀ እናተሳሕቡ ብናህሪ ተሓምበቡ። እንተኾነ፡ እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ክልተ ተቐዳዳምቲ ጋንታ ሬድሲ ድሕሪ 9 ዙርያታት ነታ 1ይቲ ጉጅለ ኣብ ዝተጸንበሩሉ፡ ሮቤል የውሃንስ ናይ ሬድሲ ንሰለስተ ኣባላት መጐዓዝያ ኣኸቲሉ ናይ ምምላቝ ፈተነ ኣካይዱ። እዛ 4 ኣባላት ዝሓዘት 1ይቲ ጉጅለ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፣ ዳኒኤል በርሀ፡ ሮቤል የውሃንስን ኢሳያስ ማህደረን ተኸታቲሎም ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ኮይኖም ተዓዊቶም። ድሕሪ’ዛ ቅጽበታዊ ውድድር፣ ዳኒኤልን ሮቤልን ንብጾቶም ብምርሕራሕ ንበይኖም ኣብ ቅድሚት ጉጅለ ፈጠሩ። ብናህሪ እናተሓምበቡ ድማ ነንዝተረፈ ተቐዳዳማይ ብዙርያ እናገለፉ፡ ጸወታ ክዛዛም 4 ዙርያ ምስ ተረፎ ንበይኖም ተረፉ። ኣብ መጨረሽታ ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ፡ ብዕድመ ዝነኣሰ ተቐዳዳማይ እዚ ምድብ ዳኒኤል በርሀ ሕጂ’ውን ንሮቤል የውሃንስ ስዒሩ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ሮቤል የውሃንስ ድማ፡ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ናይቲ መዓልቲ ተባሂሉ፡ ብኢንተርናሽናል ዳኛ ኣማኑኤል ክፍላይ ንዝተወፈየት ሽልማት ወሲዱ። ተቐዳደምቲ ጋንታ መጐዓዝያ ኣብዚ ናይ ሰንበት ውድድር ኣብ ጎኒ ተቐዳደምቲ ጋንታ ሪድሲ ተጸጊዖም ብምውዓል ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ብዘይምርኣዮም ብኣካየድቲን ተዓዘብቲን ተነቒፎም።

Contributions: Ministry of Information Eritrea & Nakfa Press.

CYCLING SPORTS UPDATES

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed