ውድድራት ባድሜንተን ተዛዚሙ
ፈደረሽን ባድሜንተን ዞባ ማእከል ካብ 3 ነሓሰ ኣትሒዙ ከካይዶ ዝቐነየ ናይ መጻረዪ ውድድራት፡ ዝሓለፈ ሰንበት 13 ነሓሰ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ፈደረሽናት፡ ወለድን ኣፍቀርቲ ባድሜንተንን ኣብ ዝተረኸቡሉ፡ ብድምቀት ከም ዝተዛዘመ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ፈደረሽን ሓቢሩ። እዚ ውድድር፡ ነቲ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብሃገራዊ ፈደረሽን ባድሜንተን ኤርትራ ተወዲቡ ዝካየድ ሃገራዊ ውድድር ንዞባ ማእከል ዝውክሉ ተወዳደርቲ ንምምራጽ ከም ዝተኻየደ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ብመሰረት እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውድድራት ድማ እዚ ዝስዕብ ውጽኢት ተረኺቡ ኣሎ።


ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ-ኣንስትዮ 1ይቲ፡ ራሄል ኪዳነ (ወርቂ መዳልያ) 2ይቲ፡ ደሊና ሲቪል (ብሩር መዳልያ) 3ይቲ፡ ሆሳእና ዳዊት (ነሓስ መዳልያ) ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ-ተባዕትዮ 1ይ፡ ሴም ማሪቆስ (ወርቂ መዳልያ) 2ይ፡ ሳሙኤል ተኽለማርያም (ብሩር መዳልያ) 3ይ፡ ሲኖዳ ዮናስ (ነሓስ መዳልያ) ልዕሊ 18 ዓመት ደቂ0-ኣንስትዮ 1ይቲ፡ ዳናይት ቢኒያም (ወርቂ መዳልያ) 2ይቲ፡ ሄርሜላ የማነ (ብሩር መዳልያ) 3ይቲ፡ ሮዳስ ዮውሃንስ (ነሓስ መዳልያ) ልዕሊ 18 ዓመት ደቂ-ተባዕትዮ 1ይ፡ ኣቤል ኪሮስ (ወርቂ መዳልያ) 2ይ፡ ሄርሞን ሚካኤል (ብሩር መዳልያ) 3ይ፡ ናትናኤል ረዘነ (ነሓስ መዳልያ) እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፈደረሽን ባድሜንተን ዞባ ማእከል ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ መባእታዊ ስልጠና ጸወታ ባድሜንተን ንህጻናት ክህብ ምዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሩ። በዚ ኸኣ እቲ ፈደረሽን፡ ብፍላይ ወለዲ ተካእቲ ተጻወትቲ ኣብ ምፍራይ ንደቆም ከተባብዑን ድጋፍ ክህቡን ጸዊዑ ኣሎ።
Contribution: Minsitry of Information Eritrea.