Wednesday, March 22, 2023
|
ማይተመናይን በሪኽን ተዓዊተን

ማይተመናይን በሪኽን ተዓዊተን

ውድድር መንእሰያት ኩዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ስታድዩም ኣስመራን ካምቦ ቺቸሮን ቀጺሉ ከም ዝወዓለ ህዝባዊ ርክባት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ሓቢራ። ኣብ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ክሊ ዕድመ ማይተመናይ ምስ ኣባሻውል ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣባሻውል ሰለስተ ማይተመናይ ከኣ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ኣባሻውል እያ 3ብ1 መሪሓ ንዕረፍቲ ወጺኣ። ይኹን’ምበር፡ ማይተመናይ ድሕሪ ዕረፍቲ ብዝገበረቶ ጻዕሪ ሰለስተ ሸቶታታት ብምውሳኽ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ 4ብ3 ንኣባሻውል ረቲዓታ ወጺኣ። ናይ ትሕቲ 17 ዓመት በሪኽ ምስ ሰረጀቓ ኣብ ዝገበራኦ ግጥም ድማ፡ በሪኽ ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት፡ ንዕረፍቲ 2 ብ 0 መሪሓ ወጺኣ። ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለ ጸወታ፡ በሪኽ ኣርባዕተ ሰረጀቓ ከኣ ሓንቲ ሸቶ ብምውሳኽ ጸወታ ብዓወት በሪኽ 6ብ1 ተዛዚሙ። ኣብ መንጎ ማይተመናይን ኣባሻውልን ኣብ ዝተገብረ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ጸወታ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘይ ሸቶ’ዩ ተዛዚሙ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ግን፡ ማይተመናይ ንሃጓፋት ኣባሻውል ተጠቒማ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ነቲ ጸወታ 3ብ0 ተዓዊታትሉ። ኣብ ናይ ትሕቲ 13 ዓመት ጸወታ፡ በሪኽ ኣብ ልዕሊ ሰረጀቓ 3ብ1 ክትዕወት ከላ፡ ማይተመናይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣባሻውል 1ብ0 ተዓዊታ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 15፡ በሪኽ ኣብ ልዕሊ ሰረጀቓ ብገፊሕ 5ብ0 ተዓዊታ። ውድድር መንእሰያት ኩዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል፡ ሎሚ ረቡዕ እውን ቀጺሉ ክውዕል’ዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 15 ዓመት ማይተመናይ ምስ ኣባሻውል፡ ጎዳይፍ ምስ ፓራዲዞ ክገጥማ መደብ ክወጸለን ከሎ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 13 ዓመት ጎዳይፍ ምስ ፓራዲዞ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ከኣ ገጀረት ምስ ማእከል ከተማ ጎዳይፍ ድማ ምስ ፓራዲዞ ክገጥማ’የን። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ጎዳይፍ ምስ ፓራዲዞ ዘካይደኦ ጸወታ ክህሉ’ዩ።

Contribution by Ministry of information Eritrea.

FOOTBALL/SOCCER SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed