Wednesday, March 22, 2023
|
ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውድድር ቼስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተሳቲፋ

ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውድድር ቼስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተሳቲፋ

ካብ 2-8 ግንቦት 2022 ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተኣንገደን ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ዝተሳተፋሉን ዞባዊ ውድድር ቼስ ( The 2022 Zone 4.4 Individual ) Chess Championship ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ቼስ ኤርትራ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ብምምዝጋብ ብ9 ግንቦት ናብ ሃገራ ተመሊሳ። እታ ብሰለስተ ደቀንስትዮን ሰለስተ ደቂተባዕትዮን ተወዳደርቲ ተወኪላ ዝተወዳደረት ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓትሉ፡ ብሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሃገራዊ ፈደረሽን ቼስ ኤርትራን ምዉቕ ኣቀባብላ ክካየደላ እንከሎ፡ ኣብቲ ዘካየደቶ ውድድር ድማ ዝነኣድ ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ከም ዘመዝገበት ፕረዚደንት ኤርትራውያን ዘጉልሕ ተሳታፍነት ከም ዝተረኣየ ብምግላጽ፡ እቲ ውድድር ንቐጻሊ ዕብየትን ምሕያል ተወዳዳርነትን ባይታ ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ምንባሩ ሓቢራ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ቼስ ኤርትራ መም/ክፍላይ ዓንደሚካኤል ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ። ኣብዚ ዞባዊ ውድድር፡ ብኤርትራውያን ተወዳደርቲ ዝተንጸባረቐ ብቕዓትን ዓቕምን መርኣያ ናይቲ ነቲ ዓውዲ ስፖርት ካብ ታሕቲ ብዝተፈላለየ ውዳበታት ንምምዕባሉ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ስራሕን ምዃኑ ዝገለጸ መም/ክፍላይ፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ እዋን ካብ ዞባና ሓሊፎም ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝወዳደሩ መንእሰያት ክፈርዩ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብቲ ውድድር ተሳቲፋ ምስ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ልዑል ብቕዓት ብምምስካር ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ውድድር ዝዛዘመት ጓል 14 ዓመት ህጻን ኤልሻሎም ኢሳይያስ ብወገና፡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድድር ዓቕሚ ኣብዚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደቂተባዕትዮ ተወዳደርቲ ክብሮም ወ/ገብርኤል፡ ኣሳንተ ደበሳይን ሳሙኤል መርሃዊን ከምኡ’ውን ብደቀንስትዮ ተወዳደርቲ ማክዳ ኣርኣያ፡ ኤልሻሎም ኢሳያስን ብስራት ምስግናን ዝተወዳደረትሉ ዞባዊ ውድድር ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲን ሶማልያን ዝተወከሉ ልዕሊ 60 ተወዳደርቲ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ብድምር ውጽኢት ካብ ደቂተባዕትዮ ኢትዮጵያ ካብ ደቀንስትዮ ድማ ኬንያ ዕዉታት ኮይነን ውድድረን ምዝዛመን ተፈሊጡ ኣሎ።

OTHER SPORTS ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed