Wednesday, March 22, 2023
|
ሕጹያት ኢንተርናሽናል ደያኑ ኵዕሶ እግሪ ተረቚሖም

ሕጹያት ኢንተርናሽናል ደያኑ ኵዕሶ እግሪ ተረቚሖም

ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ካብ ሽዱሽተ ዞባታት ሃገርና ንእተዋጽኡ፡ ብደረጃ ናይ ፈደራል ዳንነት ክሰርሑ ካብ ዝጸንሑ ደያኑ፡ ዝሃቦ ስልጠና ብምዝዛሙ፡ ንነፍሲ ወከፎም ብዘመዝገብዎ ነጥቢ ብምልላይ፡ ሕጹያት ኢንተርናሽናል ዳኛ በብደረጅኦም ረቚሑ። እዞም ሸሞንተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ዕስራን ክልተን ሰልጠንቲ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ነሓሰ 2022 እዮም፡ ነቲ ዝጸንሖም ብቕዓት ተወሳኺ ኣብ ትግባረን ትንታነን ሕግታት ኵዕሶ እግሪ (Law Of The Game) ዘተኰረ ስልጠና ቀሲሞም። ብተወሳኺ፡ ምስ ናይ ዓመተ 2022-2023 እተመሓየሸ ሕግታት ኵዕሶ እግሪ ምልላይን፡ ብኸመይ ስሩዕን ውጽኢታዊን ኣካላዊ ብቕዓት ትድልብ ዕላማ ዝገበረ ክልሰ ሓሳባዊን ግብራውን ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰንየ ስልጠና እዩ ተዋሂቡ።

እዞም ሸሞንተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ዕስራን ክልተን ሰልጠንቲ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ነሓሰ 2022 እዮም፡ ነቲ ዝጸንሖም ብቕዓት ተወሳኺ ኣብ ትግባረን ትንታነን ሕግታት ኵዕሶ እግሪ (Law Of The Game) ዘተኰረ ስልጠና ቀሲሞም። ብተወሳኺ፡ ምስ ናይ ዓመተ 2022-2023 እተመሓየሸ ሕግታት ኵዕሶ እግሪ ምልላይን፡ ብኸመይ ስሩዕን ውጽኢታዊን ኣካላዊ ብቕዓት ትድልብ ዕላማ ዝገበረ ክልሰ ሓሳባዊን ግብራውን ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰንየ ስልጠና እዩ ንዘለዎም ሕልሚ ንምዕዋት ወሰንቲ ክኾኑ፡ ውሳነኦም ድማ ኣብ ስነ-ምግባር እተመርኮሰን ኣብ እወታዊ ዲሲፕሊን መሰረት ዝገበረን ክኽውን ተላብዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ውልቃዊ ክእለትካን ብቕዓትካን ክብ ምባል መሰረታዊ ምዃኑ ተዛሪቡ ክብል ህዝባዊ ርክባት እዚ ፈደረሽን ኣብ ዝሰደዶ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Contribution Minstry of Information Eritrea.

FOOTBALL/SOCCER SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed