Wednesday, March 22, 2023
|
ኤርትራዊ-ሽወዳናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ደሚቑ

ኤርትራዊ-ሽወዳናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ደሚቑ

ኤርትራዊ- ሽወዳናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ማልያ ኒውካስል ወድዩ ንፈለማ ግዜ ኣንጻር ሊቨርፑል ኣብ ዝገበሮ ናይ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ጸወታ ብዘርኣዮ ብሉጽ ጸወታ፡ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ስፖርት ዓለም ኮይኑ። ኣሌክሳንደር ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ክብረወሰን መስርሕ ምስግጋር ኒውካስል ብምስባር ናብታ ጋንታ ከም ዝተጸንበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናይ ስራሕ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቡ እዩ ኣብቲ ኣማስያኡ ዝተኻየደ ግጥም ሊቨርፑልን ኒውካስልን ክስለፍ ክኢሉ። ብዙሓት ወገናት ኣብዚ ጸወታ ናይ ምርካብ ዕድሉ ጸቢብ ምዃኑ ኣብ ዝገልጽሉ ዝነበሩ እዋን ከኣ’ዩ – እዚ ብ60 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ሪያል ሶሴዳድ ናብ ኒውካስል ዝተጸንበረ ቆማት ኣጥቃዓይ ምስ ብሉጽ ጸወታ ሓንቲ ሽቶ ከመዝግብ ክኢሉ። ኣብ ስታድየም ኣንፊልድ ዝነበሩ ኣስታት 3,500 ደገፍቲ ኒውካስል ከምኡ’ውን ናይ ቅድም ብሉጽ ተጻዋታይ እታ ጋንታ እንግሊዛዊ ኣላን ሺረር በቲ ዝረኣይዎ ብሉጽ ኣጸዋውታ ናይ’ዚ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ተጻዋታይ ናእዳኦም ክገልጹ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰዱን። ኣስታት ሓደ ሜትሮን 90 ሴንቲ-ሜተርን ቁመት ዝውንን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ’ዛ ኤርትራዊ-ሽወዳናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ደሚቑ ሓዳሽ ጋንታኡ ንሒደት ሰዓታት ጥራይ ልምምድ ድሕሪ ምግባር’ዩ – ኣብዚ ናይ ኣስፒራልን ከወዳድረኦ ጀሚረን ኣለዋ። ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ድሕሪ ዕረፍቲ’ውን ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ዓቢ ግጥም ተሰሊፉ። ዋላ’ኳ ኣብ ቀዳሞት 30 ደቓይቕ ኣብቲ ጸወታ እንተተጋየሸ፡ ኣብ መበል 38 ደቒቕ ቀዳመይቲ ናይ ፕሪመር ሊግ ሽቶኡ ምምዝጋቡ ግን፡ ማዕከናት ዜና እንግሊዝ ምስ ኣላን ሺረር፡ ለስ ፈርዲናንድን ፋውስቲኖ ካልኣይቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ’ኳ እንተነበረ፡ ማእከላይ ዳኛ ብመንገዲ ቫር ነታ ሽቶ ክስርዛ ብምኽኣሉ፡ ክትጸድቀሉ ኣይከኣለትን። በዚ ኮይኑ በቲ ግን፡ እቲ ተጻዋታይ ኣብ ፕሪመር ሊግ ብሉጽ ብቕዓት ከም ዘርኢ ኣመስኪሩ ኣሎ።

ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ደቓይቕ ወሲኑ ክነሱ ዳግማይ ሰለስተ ደቓይቕ ብምውሳኹ እዮም ሕርቃኖም ዝገልጹ ነይሮም። ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ጀርመናዊ ጀርገን ክሎፕ፡ እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ኣብዚ ግጥም ተጻወትቱ ካብ ድሕሪት ተበጊሶም ምሉእ ሰለስተ ነጥቢ ክወስዱ ብምኽኣሎም ንኢድዎም። ብሽቶ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ 1ብ0 ተመሪሓ ዝወዓለት ሊቨርፑል፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 61 ደቒቕ ካብ ፊርሚንዮ ኣብ መበል 98 ደቒቕ ከኣ ካብ ካርቫዮ ብዝረኸበተን ሽቶታት ተሓጊዛ እያ – ኣብ ሜዳኣ ኣንፊልድ ናይ 2ብ1 ዓወት ከተመዝግብ ክኢላ። ናይ ካርቫዮ ካልኣይቲ ሽቶ ኣብ ዝተመዝገበትሉ፡ ኣብ መቐየሪ መንበር ዝነበሩ ተጻወትቲ ኒውካስልን ደገፍቲ እታ ጋንታን ንስታድየም ኣንፊልድ ከናውጽዎ እዮም ተሰሚዖም። ንሳቶም፡ ማእከላይ ዳኛ ድሕሪ’ቲ ጸወታ ንመደበር ተሌቪዥን ቢቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ብኸም’ዚ ኣገባብ ክትስዕር እቲ ዝበለጸን ዝጠዓመን እዩ” ክብል ምዝራቡ ንደገፍቲ ኒውካስል መሊሱ ዘቖጠዐ ፍጻሜ ኮይኑ ኣሎ። ወዲ 22 ዓመት ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣቐዲሙ ካብ ሊቨርፑል ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዝነጸጎ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ኸኣ ኣብ ፕሪመር ሊግ ምስ ካልእ ጋንታ ተጸንቢሩ ሽቶ ከመዝግብ ምኽኣሉ፡ ንደገፍቲ ሊቨርፑል ደስ ዘየበለ ኩነታት እዩ። እዚ’ውን ነቲ ጸወታ ካልእ ነዳዲ ክውስኸሉ ክኢሉ እዩ።

Article courtesy of Ministry of Information Eritrea.

FOOTBALL/SOCCER SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed