ስብሃቱ ኣብ ስዊዝ ሓሙሻይ ወጺኡ
ኣትለት ስብሃቱ ከሰተ፡ ብሰንበት ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ዓረብያ (ዊልቸር) ሓሙሻይ ተርታ ሒዙ። ኣብቲ ክልቲኡ ጾታታት ብሓባር ኣብ ዝተወዳደሩሉ መድረኽ፡ ስብሃቱ ንውድድሩ ብሰዓትን 7 ደቒቕን 44 ካልኢትን ብምፍጻም እዩ ነቲ ደረጃ ክሕዝ ዝኸኣለ። ብደረጃ ዓለም ስሙያት ኣትለታት ዝኾኑ ከም ስዊዘርላንዳዊ ሃግ ማርሰል ዝኣመሰሉ ኣትለታት ዝተሳተፉሉ ውድድር፡ ስብሃቱ ዝነኣድ ብቕዓት ከምዘርኣየ ይግምገም።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድራት ሃምቡርግ ከምኡ እውን ፊላደልፊያ ዝተሳተፈን ዝነኣድ ውጽኢት ዘመዝገበን ስብሃቱ፡ ድሕሪ ዝገጠሞ ሓያል ሕማም ቅድሚ ሒደት ሳምንታት እዩ ናብ ውድድር ተመሊሱ። ንሱ፡ ጥዕናኡ ምሉእ ብምሉእ ብዘይምውሓሱ በዚ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ደረጃ ዕጉብ ምዃኑ እዩ ትማሊ ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተዛሪቡ። ኣብ ውድድር ፓራ ኦሎምፒክ ናይ ምስታፍ ልዑል ጥሙሕ ዘለዎ ስብሃቱ፡ ብውልቃዊ ወጻኢታቱ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ክሳተፍ ጸኒሑን ኣሎን። ተመሳሳሊ ውድድራት ናይ ምስታፍ ውጥን ዘለዎ ስብሃቱ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ውድድር፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓፈሻ ድማ ኮምዩኒቲ ኤርትራውያን ንዝገበሩሉ ምትብባዕ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ስብሃቱ ኣብ 2015 ኣብ በርሊን ፍርቂ ማራቶን ካልኣይ፡ ኣብ 2016 ሃምቡርግ ማራቶን ካልኣይ፡ ኣብ 2017 ሎስ ኣንጆሎስ ማራቶን መበል 11፡ ኣብ 2017 ፊላደልፍያ ማራቶን ራብዓይ፡ ኣብ 2019 ውድድር ጀነቫ ፍርቂ ማራቶን ካልኣይ፡ ኣብ 2019 ስቶኮሎም ማራቶን ቀዳማይ ከምኡ ድማ ኣብ 2020 ሎስኣንጀሎስ ማራቶን መበል 15 ተርታ ምሓዙ ይፍለጥ።