ምርጫ ሃገራውያን ኮሚቴታት ኦለምፒክን ፓራ ኦለምፒክን ተቓኒዑ
ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ዘካየዶ ምርጫ ሓደስቲ ኣካየድቲ ማሕበራት ስፖርት ኤርትራ፡
ምርጫ ሓደስቲ ፈጸምቲ ኣካላት ሃገራውያን ኮሚቴታት ኦሊምፒክን ፓራሊምፒክን ኤርትራ፡ ሓሙስ 12 ጥሪ 2023 ኣቃኒዑ። ኣብቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባታት፡ ወከልቲ ሃገራውያን ፈደረሽናት፡ ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት፡ ኣሰልጠንትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተሳተፉሉ መደብ፡ ንኽልቲኡ ሃገራዊ ኮሚቴታት ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ዝመርሑ ፈጸምቲ ኣካላት ብተሳትፎ ፈጸምቲ ኣካላት ኩለን ሃገራውያን ፈደረሽናት ስፖርት ኤርትራ ተመሪጾም።

ኣብ መዛዘሚ ናይ’ቲ ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብቲ ጽላል ኩለን ማሕበራት ስፖርት ኤርትራ ዝኾነ ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ ዕብየትን ገስጋስን ንኸመዝግብ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ድምጾም ብምሃብ ብጽፉፍ ውዳበ ተካእቲ ኣካየድቲ ንዝመረጹ ኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ድሕሪ ምምስጋን፡ ሓደስቲ ተመረጽቲ ኣባላት ኣብ ኩሉ ዘካይድዎ ንጥፈታት
ውህደት ስራሕ ብምቕዳም ንዝተወጠኑ ናይ ምዕባለ መደባት ንቕድሚት ንምስጓም ጻዕርታቶም ከሐይሉ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣስሚሩሉ።
በቲ ዝተኻየደ ምርጫታት ሓደስቲ ኣካየድቲ ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኤርትራ ኣቶ ሚካኤል ተኽለሚካኤል ፕረዚደንት፡ ኢንጅ/ ግርማይ ሃይለ ምክ/ፕረዚደንት፡ ዶ/ር ኣሚነ ተኽላይ ዋና-ጸሓፊ፡ ወ/ት ሚልካ ተስፋልደት ምክትታል ስፖርት ደቀንስትዮ ከምኡ’ውን ካፕቴን ኣለም በርሀ፡ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምርን ኣቶ መንሱር ኑረዲንን ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ኮይኖም ክምረጹ እንከለዉ፡ ኣብ ሃገራዊ ፓራ ኦሎምፒክ ኮሚተ ከኣ ኣቶ ሃይሉ
ኣስፍሃ ፕረዚደንት፡ ኣቶ ፍትዊ ዑቕባጽዮን ምክ/ፕረዚደንት፡ ኣቶ ገብረሂወት ተኽለ ዋና-ጸሓፊ፡ ኣቶ ወልደሚካኤል ክፍሎም ፋይናንስ፡ ወ/ሮ ኣስቴር ፍረዝጊ ምክትታል ስፖርት ደቀንስትዮ ኮይኖም ከገልግሉ ተመሪጾም ኣለዉ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ምዕዋት መደባት ምድላው ሓፈሻዊ ጉባኤን ምክያድ መስርሕ ምርጫን ማሕበራት ስፖርት ኤርትራ 2022 ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣባላት ኣሰናዳኢት ኮሚቴን ተሓጋገዝቶምን፡ ከምኡ’ው ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ ምቕሉል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣባላት፡ ዝተዳለወሎም ናይ ኣበርክቶን ምስጋናን ምስክር ወረቐት ካብ ኢድ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ኣቶ ልኡል ፍሰሃየን ተቐቢሎም።
Contribution : MOI Eritrea