Wednesday, March 22, 2023
|
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድሙቕ ዓወት የመዝግቡ

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድሙቕ ዓወት የመዝግቡ

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት 29 ጥሪ ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ውድድራት፡ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቦም። ሓደ ካብ ብሉጻት ተቐዳደምቲ ዓለም ምዃኑ ዝእመነሉ ቢኒያም ግርማይ፡ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካልኣይ ተርታ ብምሓዝ ብሩር መዳልያ ተሸሊሙ። ኣብዚ 141.6 ኪሎሜተር ርሕቀት ዝሽፍን ዝነበረ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር፡ ቢኒያም ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ዝተገብረ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር’ዩ ብሉጽ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ብቕዓቱ ብምርኣይ ካልኣይ ተርታ ሒዙ። በዚ ዓወት ከኣ፡ ኣብዚ ውድድር ሃዲማ ንዝወዓለት ጉጅለ ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ ከካይዱ ዝወዓሉ ተቐዳደምቲ በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርሼ ጻማኦም ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ’ውን ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ነሓስ መዳልያ ከም ዝተሸለመ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ናይ መወዳእታ መድረኽ ዙር ጋቦን ካልኣይ ተርታ ሒዙ ውድድሩ ፈጺሙ። ኣብዚ 130 ኪሎሜተር ዝሽፍን ዝነበረ መድረኽ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ መበል 13 ተርታ ክሕዝ ከሎ፡ ኤፍሬም ገብረሂወት መበል 16፡ ዳዊት የማነ መበል 18፡ ናትናኤል ብርሃነ ከኣ መበል 21 ተርታ ሒዞም ኣለዉ። ብመሰረት ናይ ሸውዓተ መድረኻት ውህሉል ውጽኢት፡ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ናትናኤል ብርሃነን ዳዊት የማነን ብተኸታታሊ ራብዓይን ሓሙሻይን ተርታ ክሕዙ ከለዉ፡ ኣብ ናይ ነጥቢ ውድድር ከኣ ሄኖክ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ፈጺሙ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ውድድር ብሉጽ መንእሰይ፡ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ሳልሳይ ተርታ ክሕዝ ከሎ፡ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድድር ከኣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ፈጺሙ ኣሎ። ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ከኣ ብቶታል ኢነርጂን ቢንጎልን ጥራይ ተበሊጻ ካብ 15 ጋንታታት ሳልሳይ ደረጃ ክትሕዝ በቒዓ ኣላ። ሓደ ካብ ምኩራት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝኾነ መትከል እዮብ እውን ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ‘ዙር ሳርጃ’፡ ሳልሳይ ተርታ ሒዙ ውድድሩ ብምፍጻሙ ንዓወት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝያዳ ድምቀት ሂብዎ ኣሎ።

MOI contributed this article.

Sports people of Eritrea

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed