Wednesday, March 22, 2023
|
ዓወት ናትናኤል – ኤርትራ ኣብ ቅ/ብሽክለታ ዝተማልአ ዓቕሚ ኣጥርያ ከምዘላ ዘረጋገጸ ተኣምራታዊ ውጽኢት!!

ዓወት ናትናኤል – ኤርትራ ኣብ ቅ/ብሽክለታ ዝተማልአ ዓቕሚ ኣጥርያ ከምዘላ ዘረጋገጸ ተኣምራታዊ ውጽኢት!!

Contributor and analysis by Samson Haile (Eri-TV Journalist)

ዓወት ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ መበል 15 መድረኽ ክሳብ ክንደይ ተኣምራታዊ ምዃኑ ከብርህ ክፍትን። ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ከም ኣብ ኩሉ ዎርልድ ቱራት፡ ክልተ ዓይነት ናይ ውድድር ምድባት እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ – ክኢላታት ቅጽበታዊ ውድድር ዝዕወትሉ ምድብ ኮይኑ፥ ‘ማልያ ሊላ’ (Maglia Ciclamino) ንምውዳይ ዝግበር ቅድድም እዩ። ኣብዚ ምድብ’ዚ ተቐዳደምቲ ብዘመዝግብዎ ተርታ እዩ ነጥቢ ዝተሓዘሎም – ቀዳማይ፡ ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ ወዘተ እናተባህለ።እቲ ካልኣይ ከኣ “ሓፈሻዊ ምድብ” (General Classification – GC) ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ ሮዛ ማልያ ንምውዳይ ዝግበር ቅድድም፡ ናይ ጂሲ ተቐደደምቲ ዝኣትዉዎ ተርታ ኣይኮነን ዝያዳ ዘገድሶም። ክንደይ ፍልልይ ናይ ደቓይቕ ተፈንቲቶም ውድድሮም ዛዚሞም እዩ እቲ መለክዒ። እቲ ዝንጸፍ ደቓይቕ ከኣ ተደሚሩ ንተቐዳደምቲ ኣብ ተርታኦም ፍልልይ የምጽእ። እዞም ናይ ጂሲ ተቐዳደምቲ ብትርኢቶም’ውን ፍሉጣት እዮም – ዝበዝሑ ቁንጹባት ወይ ደቀቕቲ እዮም። እቶም ናይ ቮላታ ድማ መጠነኛ ወይ ነዋሕቲ ኮይኖም ዝያዳ ሚዛን ከኣ ኣለዎም። እዚ ስነ ፍልጠታዊ እዩ። (ተቐዳደምቲ ንእግረመገዶም ዝዓምዎ ኣብ ዓቐበት ዝግበር ሰማያዊ ማልያ ዘሸልም ከምኡ’ውን ንትሕቲ 23 ዓመት ንምትብባዕ ተባሂላ እትሽለም ጻዕዳ ማልያ’ውን ኣለዋ)መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ናይ ጂሲ ተወዳደርቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብንያም ግርማይ ግና ናይ ጂሲ ተወዳዳራይ ኣይኮነን – ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ተቐዳዳማይ እዩ። እዚ ንናይ ጂሲ ተቐዳደምቲ ዝጥዕም ውድድር ዝያዳ ተረርቲ ዓቐበታት ከምዘማልእ ተገይሩ እዩ ዝስራዕ። ኣብ ተረርቲ ዓቐበታት ንመቐዳድምትኻ ፈሊኻዮም ክትኣቱ ዝለዓለ ተኽእሎ ስለዘሎ።

ዝኾነ ዓቐበት ኣይኮነን ድማ ፍልልይ ዘምጽእ። እቲ መወዳደሪ ጽርግያ ተሪር ዓቐበት ክኸውን ጥራይ’ውን ኣኻሊ ኣይኮነን። ተቐዳደምቲ ብደቓይቕ ክፈላለዩ እንተኾይኖም እቲ ዓቐበት ቅኑንነት (gradient) ክህልዎ ኣለዎ። መገዲ ባጽዕ ኣስመራ ንኣብነት ካብ ደንጎሎ ናብ ኣስመራ ን60 ኪ.ሜተር ዝዝርጋሕ ዓቐብ ይሃልዎ እምበር፡ ብተዛማዲ ትሑት ቅኑንነት (gradient) እዩ ዘለዎ እቲ ጽርግያ። በብቑሩብ እዩ ንላዕሊ ዝድይብ። ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ gradient ዝርከቦ መገዲ ጥቁልሓስ እዩ። ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ባሕሪ’ውን ብተዛማዲ ኣይሰኣንን እዩ።እዚ ሎሚ ዝተኻየደ መድረኽ 15 ግና ብዝውንኖ ቅኑንነት ጽርግያ ወይ gradient ኣዝዩ ዝተፈልጠ እዩ። ተቐዳደምቲ ንኽሓዂርዎ ትንፋሶም ዘምሎቖም ሓያል gradient!! ብኸምኡ ድማ እዮም ተበታቲኖም ኣትዮም። ደናጉ ዝፍተሸሉ ኣዝዩ በዳሂ ቅኑንነት ወይ gradient!!ናትናኤል ተስፋጽዮን እምበኣር ኣብ ከምዚ ዓይነት በዳሂ ቅኑንነት ዘለዎ መድረኽ እዩ ተረርቲ ዳናጉኡ ስሒሉ ምስ ቀዳሞት 7 ኮይኑ ቅድድሙ ዝፍጽም ዘሎ! ልዑል gradient ዘለዎ ጽርግያ ክትሓኲር ዳንጋይ ዳንጋኻ እያ!!ናቱ ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ኣብዚ ናይ ጂሲ ምድብ ምስ ቀዳሞት 10 ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዝም ዘሎ። ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ሻሙናይ ኣትዩ ነይሩ። በዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ናይ ቮላታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ናይ ጂሲ ምድብ’ውን ኣብ ዓለማዊ ውድድር ዓወት ዘመዝግቡ ተቐዳደምቲ ሓቚፋ ምህላዋ ናትናኤል ኣረጋጊጹላ ኣሎ። እዚ ኸኣ ክሳብ ክንደይ ብቕድድም ብሽክለታ ኣመና ኣመና ሰጒማን ካብ ኣፍሪቃ ኣዝያ ተፈንቲታን ምስ ሓያላት ሓያላን ዓለም ተሰሪዓን ከምዘላ ዘነጽር እዩ!!

CONTRIBUTERS CYCLING ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed