Wednesday, March 22, 2023
|
ደንደን ተዓዋቲት ዋንጫ ሰማእታት ኮይና

ደንደን ተዓዋቲት ዋንጫ ሰማእታት ኮይና

ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዝተኻየደ ውድድር ኵዕሶ እግሪ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ዕዱማት ኣጋይሽን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓወት ጋንታ ደንደን መጋረጃኡ ዓጽዩ። እዚ ኣብ መንጎ 10 ጋንታታት ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጸወታታት ዘካየደ ውድድር፡ ኣብዛ መዓልቲ ክልተ ግጥማት እዩ ኣሰላሲሉ። እቲ ኣብ መንጎ ደንደንን ኣልታሕሪርን እተኻየደ፡ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክኸውን እንከሎ፡ ኩባንያ ሰምበልን ኣዱሊስን ከኣ፡ ንደረጃ ተፋሊመን። ሰዓት 4፡00 ዝተጻወታ ደንደንን ኣልታሕሪርን፡ ካብ ፈለማኡ ህዱእ ደንደን ተዓዋቲት ዋንጫ ሰማእታት ኮይና ምንቅስቓስ እየን ኣርእየን። ጸኒሓ ግን ኣልታሕሪር፡ ሓሓሊፋ ፈተነታት ብምክያድ ንመጋጥምታ ክትብድሃ ተራእያ። ብመንጽሩ፡ ደንደን ንመስመር ምክልኻል ኣልታሕሪር ንምጥሓስ ኣብ ሓያል ቅልስ ኣትያ። እዛ ጋንታ፡ ብሳዶር የማነን ቢንያም ግርማይን ተደጋጋሚ ፈተነ ድሕሪ ምክያዳ፡ ኣብ መበል 41 ደቒቕ ሰሊጡዋ ንሰኪዐት ኣልታሕሪር ደፊራቶ። ኣካፋፋሊኣ ኣሚር መርሃዊ፡ ብውልቃዊ ጻዕሩ ብማእከል ተጻወትቲ ኣልታሕሪር ብምሕላፍ ዝሃረማ ኵዕሶ፡ ንሓላዊ ልዳት ሓሊፋ ኣብ ሰኪዐት ኣዕሪፋ። በዛ ሸቶ ሞራሎም ሰማይ ዝዓረገ ተጻወትቲ ደንደን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ደቓይቕ ብዝረኸቡዋ ናጻ ቅላዕ፡ ብመገዲ ሓለቓ ጋንታኦም ሚኪኤል ዘርኣይ ብልጽቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ንጸወታ 2ብ0 መሪሖሞ ወጺኦም። ኣብ ካልኣይ እብረ፡ ካብ መቐየሪ ክፍሊ ተሃዲሶም ዝወጹ ተጻወትቲ ኣልታሕሪር፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ደቒቕ ንጸወታ ናብ 2ብ1 እተጽብብ ሸቶ ብመገዲ እፎይ ኣብራሃም ረኸቡ።

እዛ ጋንታ፡ በዛ ሸቶ ተስፋ ሰኒቓ ንኽትመዓራረ እኳ እንተጸዓረትን ተጻወትቲ እንተቐየረትን፡ ክሰልጣ ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ፡ ኣብ መበል 74 ደቒቕ ተጻዋታይ ዙቨር ዓብደልዓሊም ብክልተ ብጫ ካርድ ካብ ሜዳ ብምውጻኡ ንዝተረፊ ደቓይቕ ብጎደሎ ክትጻወት ተገዲዳ። ጸወታ ከኣ፡ ብጸቢብ ዓወት ደንደን 2ብ1 ተዛዚሙ። ደንደን፡ ኣብዛ ሎሚ ዓመት ፋልመይቲ ዋንጫ ክትዓትር ክኢላ። ንቀዳመይቲ ሸቶ ዘቚጸረ ተጻዋታይ እዛ ጋንታ ኣሚር መርሃዊ ድማ፡ ሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ዓቲሩ። ድሕሪ’ዚ ዓወት፡ ምክትል ኣሰልጣኒ ደንደን ርእሶም ገብረመስቀል፡ “ንሰለስተ ዓበይትን ተወዳደርትን ጋንታታት ስዒርና ኢና ነዛ ካብ ፈለማኡ ንኽንዓትራ ዝተበገስናላ ዋንጫ ወሲድና” ክብል እንከሎ፡ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣልታሕሪር መም. ነሓስ መዳልያ እዚ ውድድር ኮይና። ብርሃነ መሓሪ ድማ፡ ሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ወሲዱ። ድሕሪ’ዚ፡ ካልአይትን ሳልሰይቲን ዝወጻ ጋንታታት ኣልታሕሪርን መኮነን ዘውደ ድማ፡ “በዞም ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣሽቱ ተጻወትተይ ጽቡቕ ብምጽዋትና ዋንጫ ከም ዝወሰድና ኢና ንሓስቦ” ብምባል ንደንደን እንቋዕ ሓጎሰኩም ኢልዎም። ቅድሚ እዛ ጸወታ፡ ኣዱሊስን ኩባንያ ሰምበልን ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም፡ ብዓወት ኩባንያ ሰምበል 1ብ0 ተዛዚሙ። ሰምበል፡ በዛ ኣብ መበል 52 ደቒቕ ካብ ኣከፋፋሊኣ ብርሃነ መሓሪ ዝረኸበታ ሸቶ፡ ተሸላሚት ኩባንያ ሰምበልን፣ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ክሽለማ እንከለዋ፡ ዕውትቲ ውድድር ሰማእታት ዝኾነት ጋንታ ደንደን ከኣ፡ ዋንጫን ወርቂ መዳልያን ተሸሊማ። ብተወሳኺ፡ ነዛ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዝዳነዩ – ኢንተርናሽናል ዳኛ ሓጎስ ተኽለገርግሽ፡ ፈደራል ደያኑ ሳምሶም ኣብራሃ፡ ሙልጌታ ኣብራሃን ነጋሲ መብራህቱን ከምኡ’ውን ኮምሽነር እዛ ጸወታ፡ ወርቂ መዳልያ ካብ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ተቐቢሎም።

Contributor: Ministry of Information & Nakfa Press.

FOOTBALL/SOCCER SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed