E R I T R E A National Road & Championship – ሻምፕዮን ኤርትራ 2022
ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ምድልዋቱ ከም’ዘጻፈፈ ይንገር ኣሎ። ካብ ሰሙናት – መዓልታት፡ ካብ መዓልታት ድማ ሰዓታት እንክተርፎ፡ ማዕሪኡ ትርግታ ልቢ ተዓዛቢ እንዳወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ – እዚ ብዓቢ ሃንቀዉታ ንጽበዮ ዘለና ሻምፕዮን ኤርትራ 2022፡ ዓርቢ 24 ሰነ፡ ብናይ ዉልቂ ክሮኖሜተር ክፍልም ኢዩ።

ክሳብ ሎሚ፡ ብዙሓት ወከልቲ ዝተፈላለያ ክለባት ዓለምናን ወከልቲ ማሕበር ብሽግለታ ዓለም (UCI) ድማ ነዚ ጸወታ ንምዕዛብ ኮነ፡ ሓደስ’ቲ ተጻወቲ ንምህዳን ናብ ኣስመራ ይዉሕዙ ኣለዉ። ኣገልግሎት ተለቪዥን ኤርትራ፡ ነዚ ዓቢ ትጽቢት ተጌርሉ ዘሎ ሓያል ቅልስ፡ ብቀጥታ ከተመሓላልፎ ምኳና ይንገር ኣሎ፡ ተስፋ ናይ ኩሉ ድማ ኢዩ Denden Media ዉን ተቀቢሎም፡ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ክፍንዉዎ።
እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ፡ ብጠቅላላ ኣስታት 202 ተቀዳደምቲ፡ ካብ ዉሽጥን ወጻእን ኣብ ኣርባዕተ ምድባት ተኸፊሎም ዉድድራቶም ከሰላስሉ ኢዮም፡
- ደቅተባዕትዮ – ናይ ዓበይቲን (ELIT) ትሕቲ 23-ዕድመን፡
- ደቅተባዕትዮ ጁኒዮር – ትሕቲ 18-ዕድመ፡
- ደቀኣንስትዮ – ናይ ዓበይትን (ELIT) ትሕቲ 23-ዕድመን፡
- ደቀኣንስትዮ ጁኒዮር – ትሕቲ 18-ዕድመ፡
ካብዞ’ም፡ 202 ተቀዳደምቲ፡ እቶም 173 ደቅተባዕትዮ፡ ዝተረፋ ድማ ደቀኣንስትዮ ኮይነን፡ ብዘይካ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ መላእ ዞባታት ኤርትራ ዝተዋጽኡ ድማ ኢዮም።
ዓርቢ፡ 24 ሰነ ክሮኖሜተር፡ ኣብ መስመር ጽርግያ (Time Trail – TT) ጸጸራት – ቁሸት – ጻዕዳክርስትዮን ኢዩ ክካየድ።
- ጁኒዮር ደቀኣንስትዮ፡ ጸጸራት – ቁሸት – ጸጸራት (9.17ኪ/ሜ)፡
- ጁኒዮር ደቅተባዕትዮ፡ ጸጸራት – ጻዕዳክርስትያን – ጸጸራት (18ኪ/ሜ)፡
- ዓበይቲ ደቀኣንስትዮ & U23፡ ጸጸራት – ጻዕዳክርስትያን – ጸጸራት (18ኪ/ሜ)፡
- ዓበይቲ ደቅተባዕትዮ & U23፡ ጸጸራት – ጻዕዳክርስትያን – ጸጸራት – ክልተ ጅራረ (36ኪ/ሜ)፡
በዚ መሰረት፡ ኩሎም ጁኒየር ደቅተባዕትዮን ደቀኣንስትዮን፡ ንቀዳም 25 ሰነ ኣብ ባሕቲ መስከረም ዝፍልምን ዝዛዘምን ቸርኪቶ ሻምፕዮን መን ኮነ ዉድድር ከካይዱ ተመዲብሎም ከሎ፡ ናይ ዓበይቲ ድማ ንሰንበት 26 ሰነ ክፋለሙ ኢዮም።
Contributed by: NationalEr Interest