Wednesday, March 22, 2023
|
ስውእ ዮናስ ሽዋየ ሓደ ካብቶም ስታዲዩም ኣስመራ ዝረኣየቶም ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኢዮ ነይሩ።

ስውእ ዮናስ ሽዋየ ሓደ ካብቶም ስታዲዩም ኣስመራ ዝረኣየቶም ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኢዮ ነይሩ።

ስውእ ዮናስ ሽዋየ ኣብ መፋርቅ 90 ታት ኢዮ ምስታ ኣብቲ እዋን ኣቶ ሃይለ ተስፋጋብር ( ዱባ ) ትስልጥን ዝነበረት ክለብ ምድላው ምግቢ ኮይኑ ድንቂ ብቕዓቱ ኣርእዮ፣ ንሱ ዘመዝገበን ሾቶታት ብሉጻትን ፍሉያትን ብምንባረን እቲ ዘይጽገብ ዓጥቅዓይ ዝብልዎ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብፍላይ፣ ካብ ነዊሕ ተሃሪመን ዝመጸት ኩዕሶ ምስ ሓይላ ኣብ ኣፍሉቡ ዶው ኣቢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ምንቅስቃሳት ፍሉይ ትዕድልቲ ከም ዘለዎ ዝምስከር ኢዮ ነይሩ።ስውእ ዮናስ ሽዋየ ኣብ 1975 ኢዮ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዓብዮ፣ልዕሊ ሽሙ በታ ወዲ ሽዋየ ትብል ቅጽል ስሙ ኢዮ ዝልለ። ስዉእ ዮናስ ዕድሚኡ ንደረጃ ትምህርቲ ምስ ኣከለ፣ናይ መባእታን ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካንቦኒ( ናይ ሕጂ ባርካ) ተከታቲሉ። ኣብ 1993 ናይ ላዕሎዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዘእትው ነጥቢ ስለ ዝረከበ ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብዓውዲ ባይሎጂ፣ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ማዕርግ ረኪቡ ኢዮ። ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ጌና ብህጻንነቱ ከሎ ኢዮ ፍቅሪ ስፖርት ሒዝዎ፣ ጎኒ ጎኒ ትምህርቱ ከኣ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዔት፣ ኩዕሶ መርበብ፣ ኩዕሶ እግሪ ይነጥፍ ነበረ ። ዮናስ ፈለማ ናይ ምምሕዳሩ ወኪሉ ይጻወት እካ እንተ ነበረ፣ ጋንታ ሒዙ ንክነጥፍ ፣ጸወትኡ ከካይድ ግዜ ከምዘይወስደሉ ኢዮም መታዕቢቱ ዝሕቡሩ ። ድሕሪ ናጽነት ምስ ክለብ ኬሚካል ኮይኑ ዘርኣዮ ድንቂ ብቅዓት ክሳብ ሎሚ ዝርሳዕ ኣይኮነን ።

በዚኣ ከኣ ኣብ መፋርቅ 90 ታት ክለብ ምድላው-መግቢ ከተፈርሞ ዓይና ዘይሓሰየት። ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ምዛ ጋንታ ኮይኑ ዝርኣዮ ብቅዓትን ንክትዕወት ዘመዝገበን ሾቶታትን ዘርዝሪካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 1997 ክለብ ምድላው-መግቢ ፣ካብ ኩለን ጋንታታት ቀዳማይ ዲቪጅን ጸብለል ኢላ ዘውዲ ሻምፕዮን ክትደፍእ ከላ ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ሓደ ካብቶም መሪሕ ተራ ዝተጻወቱ ኢዮም ነይሮም። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ውን ንዉሑድ ዓመታት ተጻዊቱ ኢዮ። ምድላው መግቢ በዚ ናይ ሻምፕዮን ክብራ ተሓጊዛ፣ኣብ ግጥም ክለባት ጋንታታት ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ዕድል ጌራ ኔራ ። እታ ጋንታ ውድድራታ ንምክያድ፣ናብ ኬንያ ኣብ ዘምረሐትሉ ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ምስታ ጋንታ ዘይምካዱ ንቡዙሓት ኣገሪሙ ነይሩ ኢዮ። ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ኣብቲ እዋን፣ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተመሃራይ ብምንባሩ ፈተና ድማ ስለ ዝነበሮ ኢዮ። ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ንትምህርተይ ቀዳምነት ክህብ ኣለኒ ብምባል ፣ካብቲ ግዑዞ ተሪፉ። ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምዝዛሙ ብቀጥታ ሃገራዊ ግብኡ ንምፍጻም ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት 8 ዙርያ ናብ መደበር ተዓሊም ሳዋ ዘምርሐ ። ኣብ ሳዋ ግቡእ ወተሃደራውን ፖሎቲካውን ስልጠና ድሕሪ ምቅሳሙ ከኣ ናብ ክፍለ ሰራዊት37 ተመደበ ። ወራሪ ስርዓት ጃንዳ ወያኔ ልእላውነት ሃገርና ንምድፋር ሰፊሕ ዘመተ ጀሚሩ ብምንባሩ ፣ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ናብ ገዝኡን ጋንትኡን ኣይተመልሰን ስለ ክብሪ ዛ ሓላል መሬት ከኣ ገንሸል ኮይኑ ። ስዉእ ዮናስ ሽዋየ ምስ ኣሃድኡ ኮይኑ 3 ወራር ወያኔ ኣብ ምፍሻል ኣብ ዝምክተሉ ዝነበረ እዋን ኢዮ፣ኣብ 2000 ዓ’ም ኢዮ ኣብ ዓዲ-በጊዖ ብጅግንነት ተሰዊኡ። ሓርበኛ ኣየብርን ኢዮ ታሪኩ ኢዮ ዝውረስ።

ዘልኣለማዊ ዝክርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ ።ምንጪ-ሓበሬታ፣ተስፋልደት መብራህቱ(ቶፖ)፣ ሃብተኣብ ዓንደማርያም(ዋንጫ)፣ ሃፋ፣

FOOTBALL/SOCCER SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed