Wednesday, March 22, 2023
|
ጕዕዞ ዘይተሰዓርነት ዓምበርበብ ብሳዋ ተገቲኡ

ጕዕዞ ዘይተሰዓርነት ዓምበርበብ ብሳዋ ተገቲኡ

ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል፡ ትማሊ ሓሙስ ምቕጻሉ ህዝባዊ ርክባት እቲ ፈደረሽን ሓቢሩ። ፈለማ ናይቲ ዕለት ልዑል ኣቓልቦ ዝተዋህበን ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ዓምበርበብን ሳዋን ተፋሊመን። ኣብቲ ብቀዳመይቲ ዳኛ ዲቮራ ካሕሳይ ዝተመርሐ ግጥም፡ ዘይተሰዓርነት ጕዕዞ ዓምበርበብ ብሳዋ ክግታእ ተራእዩ። ኣብዛ ግጥም፡ ተጻወትቲ ዓምበርበብ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብቕዓተን ነክየን እየን ቀሪበን። ብኣንጻሩ መጋጥምተን ተጻወትቲ ጋንታ ሳዋ ብገዲም ተጻዋቲት ዮዲት ፍትዊ ኣብ ምክልኻልን መስመር መጥቃዕትን እናተቐለሳ፡ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ኣንጸባሪቐን። ኣብ ነፍስ ወከፍ ክፋል ጸወታ ድማ፡ ብዓብላሊ ውጽኢት ኣከታቲለን 25ብ14፡ 25ብ17፡ 25ብ15 ብምዕዋት፡ ኣብ ልዕሊ እታ ንቀዳማይ ዙርያ መሪሓቶ ዝዛዘመት ዓምበርበብ ናይ 3ብ0 ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊበን።

ቀጺሎም ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ ሰንጥቕ ኣንጻር ጋላነፍሒ ተጋጢሞም። ኣብ መጀመሪያ ዝሕል ዝበለ ምንቅስቓስ ዝተራእያ እዛ ጸወታ፡ ኣብ ፈላመይቲ ክፋል ብዓወት ሰንጥቓውያን 25ብ18 እዩ ተዛዚሙ። ጋላ ነፍሒ ከኣ ንካልኣይቲ ሰት 27ብ25 ብምስዓር ንጸወታ ማዕረ ገይሮሞ። በዚ ዓወት ፍናን ዝረኸቡ ጋላ ነፍሒ ሃጓፋቶም ሸፊኖም ብምቕራብ ኣብ ሳልሰይቲ ክፋል ጸወታ’ውን፡ ነታ ብገዳይም ተጻወትቲ እትፍለጥ ሰንጥቕ 25ብ19 እዮም ክዕወቱሉ ክኢሎም። ጸወታ ብመሪሕነት ጋላ ነፍሒ 2ብ1 ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ እዋን፡ ሰንጥቕ፡ ተመክሮ ማዕረ ክንደይ ሓጋዚ ምዃኑ ዘንጸባረቑሉ ግጥም ኣርእዮም። በዚ መሰረት ተጻወታይ ሳሙኤል ሓድሽ ኣብ ምጥዕዓምን ምውህሃድን ከምኡ’ውን ለኣከ ገብረሚካኤልን ካልኦትን ኣብ ምጥቃዕን ምክልኻልን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ዓብሊሎም ብምቕራብ ንራብዐይቲ ጸወታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ብምእታው 25ብ22 ተዓዊቶምላ። ጸወታ ብማዕረ 2ብ2 ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ናብታ ተዓዛቢ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝተጸበያ ግጥም ሓምሸይትን መፈላለይትን ሰት ኣምሪሖም። ተጻወትቲ ጋላ ነፍሒ፡ ዋላ እኳ ብሉጽ ጸወታ ከርእዩ እንተወዓሉ፡ ንሰንጥቓውያን ግና ክብድህዎም ኣይከኣሉን። ሓሙሸይቲ ሰት ድማ፡ ብዓወት ጋንታ ሰንጥቕ 15ብ9 ብምዝዛሙ፡ ብድምር ውጽኢት ሰንጥቕ 3ብ2 መኸተምታ ረኺቡ። ሰንጥቓውያን በዛ ዓወት ተሓጊዞም ንካልኣይ ግዚኦም ዓወት ከተስተማቕሩ በቒዖም።

Contribution: ሙሴ ገብረእግዚኣብሄር/MOI Eritrea.

OTHER SPORTS SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed