Who is Shannon Oqbay Abeda? = ሻኖን ዑቕባይ ኣበዳ መን እዩ?
ኣብ ኣልቤርታ – ካናዳ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ወለዱ – ኣቶ ወልዳይን ወይዘሮ ኣርያምን ኣብ 1980ታት እዮም ካብ ኤርትራ ናብ ካናዳ ተሰዲዶም። እቲ ብኮምምፑተር ሳይንስ እተመረቐ ሻኖን ድማ ገና ብህጻኑ እንከሎ ብዝሓደሮ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ ብዙሕ ንጥፈታት ናይዛ ሃገር ምስ ወለዱ ብሓባር ይሳተፍ ምንባሩ CBC ዝተባህለ ናይ ካናዳ ማዕከን ዜና ብዛዕባዚ ስፖርተኛ’ዚ ኣብ ዘቕረቦ ሓተታ ገሊጹ።
24 ዓመቱ ረጊጹ ዘሎ ሻኖን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ኣብ ኣብ ፒኦንግቻንግ – ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክስ ሓጋይ እዩ ንኤርትራ ወኪሉ፡ ብባንዴራ ኤርትራ ኣጊጹ ኣብ ናይ በረድ ምንሽርታት ተሳቲፉ። ኤርትራ ድማ ኣብቲ ብጂኦግራፍ ኮነ ብባህሊ ምስኣ ቅርበት ዘይብሉ ናይ በረድ ውድድር ንፈለማ ግዜ ብምክፋል ታሪኽ ሰሪሓ።

ኣነ ኣብ ካናዳ ደኣ ተወሊደ እንተዓበኹን ብዙሓት ካናዳውያን ኣዕሩኽ እንተለዉኒን፡ መበቈለይ ብዝኾነት ኤርትራ እምብዛ ሕቡን እየ። ስለዚ ድማ ነታ ሃገር ወኪለ ኪወዳደር ወሲነ” ዝበለ ሻኖን፡ ኪወዳደር ምስ ነቐለ ኣብ ካናዳን ካልእዕት ክፋላት ዓለምን ዝነብሩ ኤርትራውያን ልዑል ደገፍን ምትብባዕን ከምዝገበሩሉ ሓቢሩ። እዚ ንሱ ዘካይዶ ዘሎ ውድድር፡ ነታ ንሃገሩ ኤርትራን ንዕኡን ታሪኽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ናይ በረድ ውድድር ንሃገሮም ወኪሎም ክካፈሉ ከምዝኽእሉ ኣብነት ምዃኑ ከኣ እምነቱ ገሊጹ።
Contribution: Eritrean National Olympic Committee.