Wednesday, March 22, 2023
|
ሃገራዊ ውድድር ጉያ ጎቦ 2022 ተኻዪዱ/Petro Mamu great performance in Mountain Run events in Europe.

ሃገራዊ ውድድር ጉያ ጎቦ 2022 ተኻዪዱ/Petro Mamu great performance in Mountain Run events in Europe.

ሃገራዊ ውድድር ጉያ ጎቦ (National Mountain Running Championship 2022) ብቐዳም 2 ሓምለ 2022 ኣብ ከባቢ ጉልዒ-ቤትገርግሽ ምክያዱ ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ገሊጹ። ኣብዚ ናይ ልዕልን ትሕትን ዕድመ ኣትለታት ዝተሳተፍዎን ኣብ ኣርባዕተ ደረጃታት ተኸፋፊሉ ዝተኻየደን ሃገራዊ ውድድር፡ ካብ ዞባታትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝተዋጽኡ 25 ደቀንስትዮን 75 ደቂ-ተባዕትዮን ተሳቲፎም። ፈለማ ውድድሮም ካብ ዘሰላሰሉ ናይ ትሕቲ 20 ዕድመ ኣትለታት፡ ኣብ 6 ኪሎ ሜተር ውድድር ደቀንስትዮ፡ ሰምሃር መኮንን (ማእከል)፡ ሰሳኒት ሓይልኣብ (ማእከል)፡ ኣድያም ዘርኣይ (ደቡብ)፡ ቅሳነት ወ/ ሚካኤል (ማእከል)፡ ትርሓስ ሚካኤል (ደቡብ) ከምኡ ድማ ኣድያም ሓድሽ (ደቡብ) ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ንዘሎ ደረጃታት ብምሓዝ ዕዉታት ክኾና እንከለዋ፡ ደቂተባዕትዮ ኣትሌታት ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ዘካየድዎ ናይ 8 ኪሎ ሜተር ተመሳሳሊ ውድድር ድማ በረኸት ዑቕባጽዮን (ክለብ ደንደን ሚኒ/ ምክልኻል)፡ ሓበን ገ/ማርያም (ደቡብ)፡ ፊልሞን ዳዊት (ደቡብ)፡ ዮሱፍ ኣድም (ጋሽ-ባርካ)፡ ኣልኣሚን ናስር (ማእከል)ን ፍቓዱ ገብረስላሴ (ደቡብ)ን ዕዉታት ኮይኖም። ስዒበን ልዕሊ ዕድመ ደቀንስትዮ ኣትለታት ኣብ ዘካየዳኦ ናይ 8 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ዝሸፈነ ውድድር፡ ናጽነት ኣማኑኤል (ክለብ ደንደን ሚኒ/ ምክልኻል)፡ ንጽሃ ንጉሰ (ማእከል)፡ ዘቢብ ወልደገርግስ (ማእከል)፡ ፍዮሪ ገብረሂወት (ደንደን ሚኒ/ ምክልኻል)፡ ፍዮሪ ብርሃነ (ማእከል) ን ኩሕሎ ተስፋልደት (ማእከል)ን ብምዃን ተዓዊተን።

ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዝተኻየደን ንኣትለታት ዝፈተነን ናይ ደቂተባዕትዮ ናይ 10 ኪ/ሜ ውድድር’ዩ ነይሩ። ኣትለት ሄኖክ ተስፋይ ካብ ማእከል ዕዉት ሃገራዊ ውድድር ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ፡ ንዕኡ ስዒቦም፡ ሄርሞን ፍቕረ (ደቡብ)፡ ሙሴ እስቲፋኖስ (ደንደን ሚኒ/ምክልኻል)፡ ኣምባሳጅር ወ/ሚካኤል (ደንደን ሚኒ/ምክልኻል)፡ ታደሰ ዑቕባጋብር (ደንደን ሚኒ/ምክልኻል)፡ ሳምሶን ገ/ መድህን (ደንደን ሚኒ/ምክልኻል) ክሳብ ሻድሻይ ንዘሎ ደረጃታት ብምሓዝ ውድድሮም ፈጺሞም። ኣብ ኣርባዕቲኡ ደረጃታት ብዝተመዝገበ ውጽኢት ናይ ጋንታ ካብ ትሕቲ ዕድመ ብደቀንስትዮ ማእከል፡ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ደቡብ ክዕወታ እንከለዋ፡ ካብ ልዕሊ ዕድመ ኣትለታት ብደቀንስትዮ ማእከል ብደቂተባዕትዮ ድማ ክለብ ደንደን ሚኒ/ምክልኻል ዕዉታት ብምዃን ተዓወትቲ ናይ ዋንጫ ሽልማት ኮይኖም። ብናይ ክልቲኡ ጾታታት ኣጠቓላሊ ውጽኢት ድማ፡ ካብ ደቀንስትዮ ኣትለታት ማእከል ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ኣትለታት ደቡብ ዕዉታት’ቲ ሃገራዊ ውድድር ኮይነን። ዕዉታት ኣትለታትን ጋንታታትን ዝተዳለወሎም ናይ መዳልያ፡ ዋንጫን ገንዘብን ሽልማት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራን ዕዱማት ኣጋይሽን ተቐቢሎም።

Petro Mamu celebrated a home win at the Stubai Vertical.

Last weekend at the Stubai Ultratrail starting on Thursday evening, more than 120 athletes lined up for the 7.2-kilometer route from Neustift to the Elferhütte, which has a length recorded at 1024 meters of high altitude. The location is expected to host the World Championship in the coming year. Eritrean Petro Mamu with a time of (42:49 minutes) was able to claim victory just a few days after he participated in the MARATHON DU MONT-BLANC, where 2,000 participated on the slopes of Europe’s highest peak. Petro finished in the top 10 in that race and turned around and won the Stubai Vertical where he felt like a local hero as he also makes his living in the Stubaital as an Eritrean.

Eri-internationalsports congratulates Petro on his win and he is sure to inspire many other Eritreans to participate in Mountain Running a unique race classification that is slowly becoming a popular sport.

Contribution: Eritrean Ministry of Information.

Written by Erisports.

RUNNING/TRACK & FIELD SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed