Wednesday, March 22, 2023
|
ኣብ ዝቐጸለ ግጥም ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል፡ ሳዋን ሓሬናን ተዓዊተን

ኣብ ዝቐጸለ ግጥም ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል፡ ሳዋን ሓሬናን ተዓዊተን

ብሓሙስ ኣብ ዝቐጸለ ግጥም ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል፡ ሳዋን ሓሬናን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ዓወት ኣመዝጊበን። ኣብቲ ብብዝሒ ተዓዘብቲ ማሚቝ ከምኡ እውን ብዝናብ ተሰንዩ ዝተኻየደ ጸወታታት፡ ፈለማ ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ሓሬናን ማይ ነፍሒን’የን ግጥመን ኣካይደን። ሳሮን ዮሃንስን ዲቮራ ካሕሳይን ከም ቀዳመይትን ካልኣይትን ዳኛ ብምዃን ኣብ ዝመርሓሉ ጸወታ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ክፋል ናይቲ ግጥም ማይነፍሒ እያ 25ብ17 ተዓዊታ። ኣብ ዝሰዓባ ካልኣይትን ሳልሰይትን ጸወታ ግና ሓሬናውያን ተርኒዐን ብምቕራብ 25ብ17 25ብ12 ብምስዓር ንውጽኢት ናይቲ ጸወታ ናብ 2ብ1 ቀየራኦ። ተጻወትቲ ማይ ነፍሒ ብሓለቓ ጋንታአን ሰሳይት መሓሪ ተወሃሂደን መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈነዋሉ፡ ንራብዐይቲ ክፋል ጸወታ 28ብ26 ክዕወታላ ክኢለን። ናብ ሓሙሸይትን መፈላለይትን ሰት ኣብ ሳዋን ሓሬናን ተዓዊተን ዘምርሓሉ ድማ ሓሬና ዝሓሸ ብቕዓት ብምርኣይ፡ 15ብ9 ተዓዊተን።

ብድምር ውጽኢት 3ብ2 ብምዕዋት ድማ ካብ ሜዳ ተፋንየን። ስዒበን ውድድራተን ዘካየዳ ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ ኢራብን ሳዋ እየን። እዘን ጋንታታት ምኩራትን ሓያላት ተጻወትቲ ዝሓቖፋን ምስ ምዃነን ሓያል ምትህልላኽ ከም ዘርእያ ብኣግኡ እዩ ተገሚቱ ነይሩ። ኣብ ፋልማይ ክፋል ጸወታ፡ ተጻወትቲ ኢራብ ካብ መጥቃዕቲ ሳዋ ዝተፈነዋ ኮዓሳሱ ኣብ ምምካን ብዘርኣይዎ ዝድነቕ ብቕዓት፡ መሪሕነት እተትሕዞም ነጥቢ ብምምዝጋብ 25ብ23 ክዕወቱ ክኢሎም። ኣብ ካልአይቲ ክፋል ጸወታ ድማ እዘን ጋንታታት ብማዕረ ነጥቢ ተመራሪሐን ኣብ ዝገስገሳሉ፡ ተጻወትቲ ሳዋ ኣብ መዛዘሚ 27ብ25 ብምምዝጋብ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ በቕዑ። ኣብ ሳልሰይቲ ሰት፡ ኢራብ ንጸወታ ተቖጻጺሮም ብገፊሕ ክመርሑ እኳ እንተኸኣሉ፡ መሪሕነቶም ግና ንደቓይቕ ጥራይ እዩ ጸኒሑ። ዘመዝገቡዎ ነጥቢ ክዕቅቡዎ ኣይከኣሉን። ተጻወትቲ ሳዋ ካብ ድሕሪት ብምብጋስ 26ብ24 ክረትዕዎም ክኢሎም። ድሕር’ዛ ክፋል ጸወታ፡ ዝናብ ብምጅማሩን ከም ሳዕቤኑ ድማ ጸወታ ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ድሕሪ ምቁራጹን፡ ተጻወትቲ ናይ ራብዐይቲ ሰት ንጥፈታቶም ኣሰላስሉ። ተጻወትቲ ኢራብ ድማ 25ብ16 ብምዕዋት፡ ነቲ ጸወታ ናብ ሓሙሻይ ሰት ኣቕንዕዎ። ኣብታ ናይ መፈላለይት ሰት ኸኣ፡ ሳዋ ኣብ ነታ ጽቡቕ ጸወታ ዘንጸባረቐት ኢራብ 15ብ5 ብምስዓር፡ ጸወታ ብድምር ውጽኢት 3ብ2 ክዛዘም ክኢሉ። ግጥም ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ማይ ነፍሒ ምስ ሰንጥቕ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ ድማ ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ ንስሪን ዓምበርበብን ብዘካይዳኦ ግጥማት ክቕጽል ምዃኑ እቲ ፈደረሽን ብመገዲ ህዝባዊ ርክባቱ ይሕብር።

ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ደቡብ ተዛዚሙ

ንሓደ ሰሙን ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተሰርዐ ውድድር ሻምፕዮን ደቂ ኣንስትዮ ኵዕሶ መርበብ ዞባ ደቡብ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ብዓወት ጋንታ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ተፈጺሙ። ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ዕለት፡ ዓረዛ ንመንደፈራ ብምስዓር ሻምፕዮን ናይቲ ዞባ ክትከውን እንከላ፡ ደቀምሓረ ድማ ንጸሮና ብምርታዕ ኣብ ደረጃ ኣትያ። በዚ ድማ፡ ዓረዛ ዋንጫን 10 ሽሕ ናቕፋን ክትሽለም እንከላ፡ ካልኣይቲ ዝወጽአት መንደፈራ ኸኣ ብሩር መዳልያን 7 ሽሕ ናቕፋን ወሲዳ። ደቀምሓረ፡ ነሓስ መዳልያን 5 ሽሕ ናቕፋን ተቐቢላ። ኣብቲ ን12 ንኡሳን ዞባታት ዘሳተፈን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ዝተዓዘቦን ውድድር፡ ሓያለ ትስፉዋት መንእሰያት ዝተላለያሉ ከምኡ እውን ዝነኣድ ተወዳዳርነት ዝተራእየሉ ምንባሩ ተገምጊሙ። ብፍላይ ብፕሮጀክት ግራስ ሩትስ ንዝሓለፋ ተጻወትቲ ሒዛ ዝቐረበት ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ብዘርኣየቶ ዝነኣድ ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ናይ ናውቲ ሓገዝ ከምዝተገብረላ ጸብጻብ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ናይቲ ንኡስ ዞባ ሲራክ ገብረሚካኤል ይሕብር።

Contribution Ministry of Information Eritrea.

ኤርምያስ ገብረልዑል (Sports Journalist)

OTHER SPORTS SPORTS UPDATES ስፖርተኛታት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

You May Have Missed